Läs information om projektet på andra språk.

ብዛዕባ ዕዮ መጻኢ

መደብ ዕዮ መጻኢ ንሓደስቲ ናብ ሃገረ ስዊደን ዝኣተዋ ኣብ ክልል ዕድመ 18-29 ዝርከባ ደቀንስትዮ ነበርቲ ከተማ ስቶክሆልምን ያርፋላ ኮሙንን ናብ ናይ ስራሕ ሂውት ዝመርሕ መደብ ኢዩ:: እዚ መድብ ዕላምኡ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሳ ኣባላቱ ዝተፈላለዩ ዕድላት ስልጠና ብምኽፋት ናብ ስራሕ ዓለም ዝጽንበራሉ ኩነታት ምፍጣር ኢዩ::

ከም ተሳታፊት እዚ መደብ መጠን ሓሙሽተ ዝተፊላለዩ ዕድላት ስልጠና ክትሳተፊ ትኽእሊ: ንሳቶም ከኣ ኣፍልጦና ብዛዕባ ዕዮን መጻኢናን ነማዕብለሉ ትምህርቲ (arbetsmarknadskunskap): ትምህርቲ ኮምፒተር (datakunskap): ኣገባባት ምሕታት ስራሕ ( jobbsök): ልምምድ ናይ ስራሕ ኢንተርቪው (intervjuträning) ከምኡ ውን ሓበሬታታት ብዛዕባ ኮሙናት:: ተሳተፍቲ’ዚ መደብ ኣብቲ ናይ ምጀምያ ርክብ ሜንቶር/ ተሓጋጋዚት ክግበረልክን ኢዩ:: እዛ ተሓጋጋዚት ንፍርቂ ዓመት ዝኣክል ስራሕ ኣብ ምርካብ ኣብ እትገብርዮ ገስጋስ ክትተሓጋገዘኪ ኢያ:: ኣብዚ መደብ ትሳተፋ ደቀንስትዮ ተቋደስቲ ናይዚ ውሕሉል መደባትና ክትኮና ኢኽን::

ኣብ ስእሊ ትርእይወን ዘለኩም ሜንቶር መጻምድቲ Tua ከምኡ ውን Pascaline:: ስእሊ: Hedda Axelsson:: 

ኣነ ኣብዚ መደብ ከም ሜንቶር ኮይነ ክዓዪ ዕድል ብምርካበይ ብጣዕሚ ሕጉስቲ ኢየ: ልዕሊ ኩሉ ከኣ ምስ Pascaline ምላየይ:: ምኽንቱ ምስ ሓንቲ ካብ ናተይ ብዝተፈለየ ኣነባብራ ሂወት ዝዓበየትን እትነብርን ሰብ ተሞክሮ ስራሕ ክለዋወጥ: ዝተፈልየ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ነገራት ክህልወኒ ከምኡ ውን ሕጉስ ግዜ ክሕልፍ ብምኽኣለይ ብዋጋ ዘይትመን ዕጋበት ይስመዕኒ:: ከምኡ ስለ ዝኮነ ነዚ መደብ ክትጽንበርኦ የማኽረክን::” -Tua, Mentor

ተሳተፍቲ'ዚ መደብ ኩና

ኣብዚ መደብ ክትሳተፋ ዝፍቀደልክን: 

  • ደቀንስትዮ ክትኮና ኣለክን 
  • ዕድሜኽን ካብ 18 ክሳብ 29 ክኸውን ኣለዎ
  •  ሓገዝ ኣብ ምድላይ ስራሕ ምስትደልያ
  • ከምኡ ውን ነበርቲ ከተማ ስቶክሆልምን ያርፋላ ኮሙንን ጥራይ ዘስትፍ ኢዩ

ክትገብርዮ ዝግበኣኪ: 

  • ኣብ ሓሙሽቲአን ዕድላት ስልጠና ክትሳተፊ ● ምስ ሜንቱርኪ ኣብ 6 ወርሒ 6 ግዜ ክትራኸቢ ኣለኪ 
  • ምስ ሜንቱርኪ ሓገዝ ኣብ ዘድልየኪ ግዜ ቆጸራ ኣብ ምትሓዝ ንጥፍቲ ክትኮኒ ኣለኪ 
  • ካብ Nya Kompisbyrån ንዝመጸኪ ዕድመ ይኩን ክልእ ብ ሜሴጅ ወይ ኢ-ሜይል መልሲ ክትህቢ ክትክእሊ ኣለኪ

መን ኢዩ ሜንቶር ክኸውን ዝፍቀዶ 

  • ጋል ኣንስተይቲ ጥራይ 
  • ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኣ 
  • ኣብ ስዊደን ተመኩሮ ስራሕ ዝጽንሓ 
  • ኣብ ዞባ ስቶክሆልም እትቅመጥ: ብዝያዳ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ወይ ያርፋላ ተቀማጢት ምስ ትኸውን ተመራጺ

ትጽቢት ካብ ሜንቶር 

  • ከም ሜንቶር መጠን ምስ ዝተጻመድክያ ተሓጋዚት ኣብ ውርሒ ብውሑዱ 1 ግዜ ክትራኸቢ ክትክእሊ ኣለኪ 
  • ኣብ ናይ መጀምርያ ምርኻብ ብኣካል 
  • ኣብቲ ቦታ ክትርከቢ ብሙሉእ ዓቅምኺ ኣብዚ መደብ ተሳታፊት ክትኮኒ
  • ሕቶ ኣብ ዝህልወኪ ክትውከስና ኣለኪ ካብ Nya Kompisbyrån ንዝመጸኪ 

     

ናይ ምምዝጋብ ድሌት ንዘለኪ

ኣብዚ ታሕቲ ተመዝገቢ:- 

መደብ ብከምዚ ዝስዕብ ይቅጽል

    1. Intresseanmälan ነታ ተሳታፊት ወይ ሜንቶር ዝብል ብምጥዋቅ ኣብ መደብ ዕዮ መጻኢ (Framtidsprogrammet) ተመዝገቢ:: ብድሕርኡ ንዝመጸኪ ፎርም ምልእዮ:: ዝመላእክዮ ፎርም ምስ በጽሓና ኢ-ሜይል ክመጸኪ ኢዩ::

    2. Intervju ድሕሪ ከባቢ ሓደ ውርሒ ደዊልና ብዛዕባ መደባትና ስፍሕ ዝበለ ሓበሬታ ብምክፋል ከምኡ ውን ገለ ሕቶታት ክንሓተኪ ኢና:: እዚ ነቲ ኣብ መጽምድቲ

    (ተሓጋዝን/ሓጋዝን) ንምርካብ ንገብሮ ስራሕ ንክሕግዘና ኢዩ:: 

    1. Matchning ካብቲ ዝተገብረ ምዝገባ ብምብጋስ ብዝተመነኽንኦ ዕድመ መጽምድኽን: ተመኩሮ ስራሕ ከምኡ ውን ዕላማን መሰረት ብምግባር ንተሳተፍትን ሜንቶራትን በብጽምዲ ክንፈሊ ኢና:: ንትምኒታትክን ዘማልአ መጽምድቲ ምስ ረኽብናልክን ብሜስጅን ኢሜይልን መልእኽቲ ክመጸክን

    2. Mentorprogrammet መጻምድቲ ምስ ተረኽበልክን ናይ ምርኻብ ዕድመ ክስደደልክን ኢዩ:: ኣብዛ መዓልቲ’ዚኣ ድም ንመጀምርያ ግዜ ክትራኸባ ኢኽን:: Nya Kompisbyrån ኣብቲ ቦታ ምሳኽን ተረኽቡ ዘድሊ ሓበሬታን: ክግበሩ ዝግብኦም መደባትን ከምኡ ውን ናይ መጻኢ መደባት ክተሓጋገዘክን ኢዩ:: ብሓባር ብምኻን ድማ ዕላማኽን ትሕንጽጻን መኣስ ከምትራኸባ መደባት ተውጽኣን:: Nya Kompisbyrån ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ጉዕዞኽን ዘድሊ ደገፍን ሓገዛትን ክገብረልክን

    3. Utbildningsträffar ኩልኽን ተሳተፍቲ ሰሙን ድሕሪ ምስ ሜንቶርክን ምርኽብክን ካብ ሰሉስ ክሳብ ዓርቢ ናይ 4 መዓልቲ ማለት 2 ሰዓት ንመዕልቲ ስልጠና ክትመሃራ ኢኽን:: ኣብዚ ትምህርቲ’ዚ ከመይ ጌርካ ስራሕ ከም ትሓትት: ኢንተርቪው ከምይ ክትዳሎ ከምዘለካ: ትምህርቲ ኮምፒተር ከምኡ ውን ካብ ኮሙናትክን ኪትረኽብኦ እትኽእላ ደገፋትን ዝድህስስን ካልእን ትሕዝቶ ዝሓዘለ ኢዩ ክኸውን::

    4. Nätverksträffar ኣብ ቀውዒ 2022 ብሙልኣትክን ተሳተፍትን ሜንቶራትን ንራኸበሉ ሰለስተ መዛዘሚ መደባት ብምድላው ሓሳባትና ንላዋወጠሉን ነንሕድሕድና ኣብዚ መደብ ንነጥፍ ዘለና ንላለየሉን ክህልወና ኢዩ:: ተሳተፍትን ሜንቶራትን ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ 6 ግዜ ዝተራኸብክን ኣብዛ መዓልቲ ወረቀት ዲፕሎም ክትቅበላ ኢኽን:: ትምኒትና ድማ ድሕሪ ’ዚ መደብ ምስ መጻምድትኽን ኣብ መጻኢ ምሕዝነት ብምፍጣር ምትሕግጋዝክን ክትቅጽላ ኢዩ::

TIPS TILL ALLA MENTORPAR

Vi vill göra det enkelt för er att hitta information och verktyg att använda under mentorskapet. Därför har vi samlat våra bästa tips och övningar som ni kan använda er av under programmet. 

Klicka här för att hitta tipsen.

ርኸቡና

ዝኮነ ሓገዝ ኣድልዩኩም ክትረኽቡና ምስ ትደልዩ: 

Projektledare: Matilda Hardmeier 

ሓላፊት ፕሮጀክት: Matilda Hardmeier 

framtid@nyakompisbyran.se 

0760237177 

ተሳተፍቲ ዕዮ መጻኢ ብኣካል ዝሳተፍዎ ፕሮጀክት ስለዝኾነ ምስ ዘሎ ኩነታት ለበዳ ናይ ምኒስትሪ ጥዕና ለበዋ ከነማልእ ክንግደድ ኢና: ገለ ናይ ምርኻብ መደባት ውን ብዲጂታላዊ መንገዲ ከነካይዶም ኢና:: ኣብዚ መደብ ተሳታፊት ምስትኾኒ ዝያዳ ሓበሬታ ክወሃበኪ ኢዩ: ወይ ድማ ገለ መዓልታት ቅድሚ’ዚ መደብ ምጅማርኪ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረኽቢ ኢኺ:: 

ዕዮ መጻኢ ብ ከተማ ስቶሆልም ዝውነን ምስ Nya kompisbyrån ብምምውህሃድ ዝነጥፍ ፕሮጀክት ኢዩ:: እዚ ፕሮጀክት’ዚ ምስ ያርፋላ ኮሙን ውን ይነጥፍን ብ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ድማ ይምወል::